Tuesday, September 23, 2014

ስውእቲ ተጋዳሊት ብርሽዋ ተጠምቀ - TPLF Warrior Martyr Brshwa Tetemqe . TPLF History

ተጋዳሊት ብርሽዋ ኣብ ዓዲ ኣርባዕተ ተወሊዳ:: እዋኑ ብሰንኪ መስፍናዊ ስርዓት ሃ/ስላሰ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘስካሕክሕ ብሄራዊ ጭቆና ክነብር ዝተገደደ፣ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላቱ ዝተግሃሰ፣ ከርፋሕ ናብራ ድኽነት ንክነብር ዝተፈረደሉ እዋን’ዩ ነይሩ::
ኣብ መወዳእታ 1967 ዓ.ም ምዕባይ ብርሽዋ ዝኾነት ትርሓስ ተጠምቀ ዕድሚኣ እንተይኣኸለ ተመርዕያ ናብ ተሰነ ከደት:: 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ብርሽዋ’ውን ምስ ዓባይ ሓፍታ ክትነብር ተልኣኸት:: ብሰንኪ ከርፋሕ ናብራ ቁልዕነታ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ እንዳዞረት ዘሕለፈቶን ኣብ ተሰነ እርሳስን ጥራዝን ሒዛ ፊደል ክትቆፅር ንደገኣፍ ቤት ትምህርቲ ክተረግፅ ዕድል ረኸበት::ኣብዚ ግዜ’ዚ ናይ ስዊድን ሚሽን ዘጣየሽዎ ቤት ትምህርቲ ስለዝነበረ መፃኢ ህይወታ እተማሓያሸሉን ፍልጠት ናብ እትቀስነሉ ቤት ትምህርቲ ኣትያ ሀ…ሁ ክትብል ጀሚረት::
እንተኾነ ግና ንሽግርን ንመከራን ጥራሕ ዝተፈጥረት ክሳብ ዝመስል ከም ማዓር ዝመቀረታ ትምህርቲ ሰሙን እንተይገበረት ናብ ቤት ትምህርቲ እንዳኸደት እንከላ ብዕጡቓት ጀብሃ/ተሓኤ ተገፊፋ ተወሲዳ:: ኣባላት ጀብሃ ንከተማ ተሰነ ተቆፃፂሮሞ ስለዝነበሩ ብኣስገዳድ ንመናእሰይ እናገፈፉ ዘጋድሉሉ እዋን‘ዩ ነይሩ:: ትርሓስ ንብርሽዋ ክትደሊ ን3 ወርሒ ከርተት እንዳበለት ዘይመስል መሰለት:: ኣብ መወዳእታ ካብቶም ኣባላት ጀብሃ ሓደ ሓፍትኺ ንዘላቶ ክነግረኪ ምእቲ ቕርሺ ክፈሊ ኢሉ ሓተታ:: ትርሓስ ካብ ምኽፋል ድሕር ከምዘይትብል ብምግላፅ ተለቂሓ፣ ንዝነበረኣ ወሳሲኻ ሚእቲ ቕርሺ ከፈለት:: እታ ክትማሃረላ ዝተፀበየታ ሓፍታ ጮግሪ ርእሳ ተላፅዩ፣ብረት ዓጢቓ ንዘይትፈልጦን ንዘይትደልዮን ዕላማ ክትዋጋእ፣ ኣብዕሸል ዕድሚኣ ወታደራዊ ታዕሊም እንዳወሰደት’ያ ረኺባታ:: ሕጂ ‘ውን ዝተኸፈለ ይከፈል ኢላ ንብርሽዋ ካብቲ ዘላቶ ክተውፅኣ ወሰነት::ልዕሊ ዓቕሚ ሰልዲ ከይሓቱዋ ብምሕሳብ ምእመኒዩ ንዝበለቶም ናይ ሓሶት ምኽንያታት ምሂዛ ናብቶም ሓለፍቲ ዝባሃሉ ኣባላት ጀብሃ/ተሓኤ ከደት:: ብርሸዋ ንምግዳል ዘይትበቅዕ ህፃን ኣብርእሲ ምዃና ወለዳ ዓይነስዉራት ስለዝኾኑ እሞ ድማ ብዘይ ንሳ ካልእ መራሒ ከምዘይብሎም ብምግላፅ ንክሰዱዋ ለመነቶም:: እቶም ኣባላት ጀብሃ’ውን ብርሽዋ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክትፀንሕ ከላ ከምቶም ዕድሚኦም ዝኣኸሉ ተዓለምቲ ክኢላ ነቲ ዝዋሃባ ዝነበረ ታዕሊም ትፍፅም ስለዘይነበረት ናብ ገዝኣ ንክመልሱዋ ኣየማትኡን:: ካልኣይ ማዓልቲ ኣብ ደገ እንተተራእያ ኣሲሮም ናብታ ዝነበረታ ታዕሊም ከምዝወስዱዋን ፈፂሞም ከምዘይለቁዋን መጠንቀቕታ ብምሃብ ኣፈሪሞም ኣውፂኦማ:: ብርሽዋ ኣብ ተሰነ ክትማሃር ዝነበራ ዕድል ተዓፅዩ:: ብርሽዋ ኣብ ተሰነ ምፅናሕ ንትርሓስ ከቕስና ስለዘይካኣለ 1969 ዓ.ም ናብ ዓዳ ኣብፂሓታ ተመለሰት:: ኣብዚ ግዜ’ዚ ብርሽዋ ጓል 14 ዓመት ዝመለአት እንትትኮን ልቢ ዝገበረትሉን ንዘላቶ ከርፋሕ ናብራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ በደላት ከሕስባ ጀመረ::
1969 ዓ.ም ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ከባቢ ራማ ተንቀሳቐስ ስለዝነበረት ብርሽዋ ምስ ተጋደልቲ ክትቀራረብን ንመንነቶም ክትፈልጥን ዕድል ረኸበት::ተጋደልቲ ኣብ ልዕሊ ሰገናት ፍሉይ ፍቕሪ ዘሕድሩ ስለዝነበሩ ብርሽዋ’ውን ከምቶም ካልኦት ሰገናት ራማ ብፍቕሪ ተጋደልቲ ተፀመደት:: ቁምጣ ስረ ዓጢቓ ብረት ተሓንጊጣ ክትውይን ድማ ተመነየት::
ናብ ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት እንዳኸደት ንከቃልሱዋ ክትሓትት ጀመረት:: ኮይኑ ግና ዕድሚኣ ስለዘይኣኸለት ሕቶኣ ተቐባሊነት ኣይረኸበን:: በቲ ዝተዋሃባ ምላሽ ተስፋ ዘይቆረፀት ብርሽዋ ኣብ 1969 ዓ.ም ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ከተማ ራማ ንምምሕዳር ዝተኸለትሉ እዋን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብዝተጣየሸ ማሕበር መናእሰይ ብርሽዋ ፈላሚት ኣባል እቲ ማሕበር ብምዃን ነቲ ውድብ መሰሰቶ:: መንእሰይ ራማ ናብ ቃልሲ ንክዓስልን ምስ ህ.ወ.ሓ.ት ንክውግንን ኣባል ባህሊ ማሕበር መናእሰይ ብምዃን ብዜማታት ቃልሲ እናጋወሐት ብምልዕዓል ልዑል ተራ ዝነበራ ብርሽዋ ጠርናፊት ፀጥታ ከተማ ራማ ንብረት ህዝቢ ከይዝረፍ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮነት::
ብመሰረት’ዚ ወርሒ ግንቦት 1970 ዓ.ም ተጋደልቲ ጀብሃ ኣብ ራማ ዝነበረት ናይ ጀርዲን ቱቦታት ኢነትረ ብዝዓይነታ መኪና ፅዒኖም ዘሪፎም ክኸዱ እንትብሉ ኣብ እግሪ ጎማ እታ ንብረት ህዝቢ ፅዒና ክትወፅእ ዝተዳለወት መኪና ብምደቃስ “ናዓይ ረጊፅኩም እንተዘይኮይኑ ንብረትና ኣይትወስድዎን” ብምባል ህዝቢ ራማ ክሳብ ዝእከብ ገቲራቶም ፀነሐት:: ህዝቢ ራማ ንብረቱ ንከይዘረፍ ምስቶም ዕጡቓት ጀብሃ ተፋጠጠ : ኣባላት ጀብሃ ብረቶም ኣዕሚሮም ነቲ ህዝቢ ከፈራርሑ ፈተኑ:: ኣብዚ እዋን’ዚ ብርሽዋ ንሓደ ሲሞኖፍ ዝተዓጠቐን ንሳንጃ ብረቱ ገቲሩ ዝፍክር ዝነበረ ዕጡቐ ጀብሃ ብድሕሪቱ ከይዳ ንዝሓዞ ብረት መንዚዓ ምስመንጠለቶ ነታ ብረት ንመናእሰይ ራማ ኣቐበለቶም:: ክፍክር ዝፀነሐ ዕጡቕ ጀብሃ ብፍርሒ ማይ ይኸውን:: ብርሽዋ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲራ “በል ናዓ ሕጂ” በለቶ:: ኣብ ቅድም ህዝቢ ዝተዋረደ ብረተይ ምለሱለይ እንዳበለ ኣብ ጥራሕ ሜዳ ናብ ልመና ኣተወ:: መናእሰይ ራማ ናብዝበፅሖ የብሉን ኢሎም ንብረቱ ደርበዩሉ:: ኣባላት ጀብሃ ሓሳቦም ፈሺሉ::
ደርግ ኣብ ሳልሳይ ወራር ከተማ ራማ ኣብ ኢድ ቁፅፅሩ ኣተወት:: ብርሽዋ ሕቶ ምግዳል ኣቕረበት:: ዋላኳ ዕድሚኣ ንምግዳል ዘብቕዕ እንተዘይነበረ ኣብ ራማ እንተፀኒሓ ክበፅሓ ዝኽእል ሕደጋ ማሕበር መናእሰይ ኮይና ንዝፈፀመቶም ስራሕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ሕቶኣ ተቐባሊነት ረኺቡ::
ንቃልሲ ብዘለዋ ፅኑዕ ድልየትን ቆራፅነትን ከምኡውን ኣብ ፆታዊ ማዕርነት ዘለዋ እምነት ተሪር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንጋንታኣ ኣብ ዝወሃቡ መደባት ተሳታፊት ኣብ ምዃን ዘይትቕደም ውፍይቲ ብምንባራ ካብ ቦጦሎኒ 50 ሓሊፉ ኣብ ኩለን ሓይልታት ህ.ወ.ሓ.ት ተፈላጢት ኮነት::
ፀዋር ፣ ንፀገማት ዘይትንብርከኽ እያ ኔራ:: ኣብ እዋን ራብዓይ ወራር ፀላኢ ብፍላይ ኣብ ኲናት ደደቢት ዘርኣየቶ ፀዋርነትን ፅንዓትን ከም ኣብነት ዝላዓል እዩ::እቲ ውግእ ብፅዑቕ ደብዳብ ከበድቲ ኣፅዋራት ፀላኢ ዝተፈነወ ብምንባሩ ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ኣብዝዓረድሉ ቦታ ዝርከብ ሳዕሪ ስለዝተባርዐ ብመሬት ሓዊ፣ ብሰማይ ተፈጥራዊ ሓዊ ብቅድሚት’ውን ካብ ፀላኢ ብዝፍኖ ሓዊ ተኸቢቦም:: ካብ ታዕሊም ወፂኦም እኹል ምድላው ከይገበሩ ናብቲ ውግእ ዝኣተዉ ሓደሽቲ ተጋደልቲ ነቲ ዝነበረ ፃምእ ማይ ጥሜትን ፈታኒ ውግእን ክፃወርዎ ስለዘይካኣሉ ነቶም ነባራት ተጋደልቲ’ውን ክፀልዎም ክኢሉ እዩ:: ብርሽዋ ንሰለስተ ማዓልትታት እኽሊ እንከይጣዓመት ኣብ ማእኸል እቲ ርሱን ዓውዲ ውግእ ኣትያ ክትኳሻሕ ብምፅናሓ ከምቶም ካልኦት ተጋደልቲ እንተደኸመት’ውን ብጊዝያዊ ፀገማት ሸብረኽ ዘይብል ፅኑዕ ሓቦን ትብዓትን ነቶም ተወጊኦም ዝወደቑ ብፆታ ሓዚላ ናብ ሕክምና ዝረኽቡሉ ቦታ እንዳተማላለሰት ካብ ሞት ኣድሒናቶም እያ:: ደርጋውያን በቶም ውሑዳት ግን ድማ ፅኑዓት ተጋደልቲ ብዝገጠሞም ተሪር መኸተ ተፀፊዖም::
ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ በረኻ ብዘጋጠመ ሕፅረት ማይ እተን ብዕድል ዝተረኸባ ውሑዳት ማይ ንኩሎም ተጋደልቲ ዝኣኻላ ስለዘይነበራ ንደቀነስትዮን ሰገናትን ጥራይ ተባሂለን በብጋንትኡ እንተተመቐላ’ውን እታ ግመል በረኻ ዝኾነት ብርሽዋ ግና ብፃምእ ማይ ጎሮሮኣ ነቒፁን ከም ዋልካ መሬት ፍግዕግዕ ኢሉ እንዳሃለወ’ውን ስተዪ ክትባሃል ከላ “ኣነ ዳሓን እየ ነተን ካልኦት ብፆት ሃቡወን” ብምባል ማዕረ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተጋደልቲ ማይ
ከይጣዓመት በቲ ልሙድ ፅንዓታን ቆራፅነታን ጉዕዞኣ ቀፀለት:: ብድሕሪ’ዚ ብርሽዋ ኩሉመደያዊ ብቕዓታን ተመዚኑ መራሒት ጋንታ ኮይና ንክትመርሕ ሓላፊነት ተወሃባ::
መራሕቲ ሓይሊን ቦጦሎኒን ንህፁፅ ኣኼባ ይፅወዑ:: ናብ ኤርትራ ጉዕዞ ስለዘሎ ምድላዋት ንክገብሩ ይነገሮም:: ብርሽዋ ተሓጒሳ:: “ኣነ ኣብ ኤርትራ እንተዝስዋእ ክንደይ ፅቡቕ ነይሩ” ብምባል ምስተዛረበት ንምንታይ ዝብል ሕቶ ካብ ብፆታ ቀሪቡላ እንትትምልስ ” ሓደ ወያናይ ሰራዊት ወያናይ ካብዘብሉዎ ሓደ ዓለምለኻዊ ግቡኡ ምፍፃሙ‘ዩ ይመስለኒ:: ኣነ‘ውን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዝ ግቡአይ ንምፍፃም ከይደ ኣብኡ ክስዋእ እንከለኹ ዝላዓለ ህዝባዊ ወገናውነትና ዘመስክር ታሪኽ’ዩ ዘለዎ” ብምባል ንብሱል ፖሎቲካቲዊ ብቕዓታ ብዘንፀባርቕ ኣገላልፃ እዩ ነይሩ ዘብርሃትሎም::
ቀይ ኮከብ ዘመቻ - ህ.ግ.ሓ.ኤ ንምብራስ
ደርግ ንኤርትራ ደምሲሱ ናብ ትግራይ ክምለስ ትልሚ ስለዝነበሮ ብዘይካ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሓይልታት ስፍሪ ዘይብሎም ሓደሽቲ ወታደራትን ከበድቲ ኣፅዋራት ናብ ኤርትራ ዘኽተቱሉ ብምንባሩ ታጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ምስ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምትሕብባር ነቲ ናይ ሓባር ፀላኢ ሓቢሮም ክምክትዎ ከምዘለዎም ንኩሎም በራጊድ ምስተገለፀሎም ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ነቲ ሓሳብ ብሙልእ ድለየትን ወነን ምስተቐበሉዎ እዩ ብእግሪ ናብ ኤርትራ ጉዕዞ ዝጀመሩ::
ብርሽዋ፣ጓል ፀሃየ፣ ኣበባ ፋራን ካልኦትን ብርክት ዝበላ መራሕቲ ሓይሊ ናብ ግንባር ባርካ ተመዲበን:: ፀላኢ ንወራር ኣብዝተንቀሳቐሰሉ እዋን ነቲ ወራር ንምምካት ኣብ ዝተካየደ ውግእ ኣባላት እታ ብርሽዋ ትመርሓ ሓይሊ ፀላኢ ብምዝባጥ ዝላዓለ ዓወት ክሓፍሱ ክኢሎም ‘ዮም:: ኣብ ባርካ ዝተኻየደ ውግእ ኣዝዩ ከቢድ እንተነበረኳ ብውሕሉል ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ነቲ ወራር ኣምኪኖምዎ እዮም::
ሚያዝያ 1974 ዓ.ም ብርሽዋ ካብቲ ንሓይላ ሒዛ ዝዓረደትሉ ግንባር ሕዳይ ትኽስ ናብዝተባህለ ቦታ ተፀዊዓ ትኸይድ:: ምስ ወታደራዊ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ከምኣ ካብ ዝተፋላላዩ ነቑጣታት ተፀዊዖም ዝመፅኡ ወታደራዊ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ተራኺቦም ኣብ ሓውሲ በዓቲ ኮፍ ኢሎም ንኩነታት እቲ ከባቢ እንዳፅነዑ፣ ወታደራዊ ጉዳያት ሓሳብ እንዳተለዋወጡ እንዳሃለዉ ፀላኢ ብዘካየዶ ደብዳብ ከቢድ ብረት ናብታ ባዓቲ ሾሊኻ ብዝኣተወት ቁምቡላ ርእሳ ተወቐዐት:: ተጋደልቲ ካብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣልዒሎም ናብ ድፋዕ ምስኣእተዉዋ ሕክምና ንክትረክብ ምጉያይ ጀመሩ:: ግና ውቃዓ ከቢድ ስለዝነበረ ድሕሪ 15 ደቓይቕ “ዓወት ንውፁዕ ህዝቢ ዓለም ! ዓወት ንውድብና ! ክንዕወት ኢና !” ኢላ ምስጨረሐት ነቲ እትምነዮ ክቡር መስዋእቲ ከፊላ ሓለፈት::
#TPLF #TPLF_History #TPLF_Martyrs #Tigray_Martyrs

No comments:

Post a Comment