Sunday, September 21, 2014

TPLF History ኦፕሬሽን ሽረ- 1967 ዓ.ም Operation Shire 1967


Suhul, Siyum Mesfin , Agazi , Qelebet , Berihu , Walta , Gerenchiel and Mussie



Operation Shire 1967 the first operation in the history of TPLF's struggle. Suhul, Siyum Mesfin , Agazi , Walta, Qelebet and Berihu to release Mussie (Mehari Tekhle) from the dictatorial regime of Mengistu Hailemariam's prison.
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 1967 ዓ.ም ሸሞንተ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ህ.ት ተልእኾ ሒዞም ኣብ ጥቓ ደደቢት ካብ ዝርከባ ምስቃል ቋንጣን ዓዲ ፀሓይን ተባሂለን ዝፅዋዓ ቁሸታት ተበገሱ::
እቲ ጉዕዞ ሰለስተ ተግባራት ንምፍፃም ዝዓለመ ነይሩ:: ሙሴ፣ስዩም፣ጃማይካ ኣብ ሞንጎ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተጀመረ ርክብ ንምስላጥ ናብ ኤርትራ ንቕሎ ገበሩ:: ብካልእ ገፅ ድማ ስሑል ፣ ኣውዓሎም ፣ ንርአ ፣ ገረንችአልን ሓየሎምን መዋፈሪ ዝኸውን ቦታ ናይ ምፅናዕን ካብ ህዝቢ ድጋፍ ዝርከበሉ ኩነታት ናይ ምምችቻውን ተልእኾ ሒዞም ተጓዓዙ::
ሙሴ ፣ ስዩምን ጃማይካን ብኣባልነት ዝሓዘት ኣሃዱ ኣብ ጉዕዞ ዕንቅፋት ከይገጥማ ኣድላዪ ምምስሳል ገይራ እያ ትጓዓዝ ነይራ:: ሙሴን ስዩምን ሓለውቲ ከፍቲ መሲሎም በትሪ ጥራሕ ሒዞም ፣ ጃማይካ እትሰርሕ ምዃና ዘይተፈተነት ሽጉጥ ሒዙ ቀሺ ኮይኑ እናተጉዓዙ እዮም:: ዓዲ ፀሓይ ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ከባቢ ደደቢት ተበጊሶም ትጉዕዝ ውዒሎም መሬት ፅልግልግ እንትብል ዓዲ ዳዕሮ ኣተዉ:: ዓዲ ዳዕሮ ዝኣተዉሉ ቀዳማይ ምኽንያት ምስቲ ቃልሲ ርክብ ዝጀመሩ ስሩዓት ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ስለዝነበሩ ምስኣቶም ንምርኻብ እዩ ነይሩ::
ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ምግቢ ስለዝወዓሉ ጠምይዎም ነይሩ:: ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ቤት ብልዒ ኣትዮም እናተመገቡ እንተለዉ ሙሴ ንእሽተይ ጥዕም ኣቢሉ ተልዓለ:: ንጉዕዞኦም ዝኸውን ሸቐጥ ክገዝእ ኣብ ጥቓ’ታ ቤት ብልዒ ናብ ዝነበረት ሹቕ ኣተወ:: ስዩምን ጃማይካን ኣብቲ ቤት ብልዒ ኮይኖም እናተፀበዩዎ እንተለዉ ኣብ ደገ ጫው ጫው ዝብል ናይ ብዙሓት ሰባት ድምፂ ተሰምዐ:: ስዩምን ጃማይካን ካብቲ ቤት ብልዒ ወፂኦም ናብቲ ጫው ጫው ዝተሰምዐሉ ቦታ እንትፅግዑ ሙሴ ብነጭለባሽ ተታሒዙ ፀንሖም ሽዑ ድማ “ በይኑ ኣይኮነን …ቀሺ ነይሮም ምስኡ…” ዝብል ድምፂ ሰምዑ:: ጃማይካ ስለዝተኸሸፈ ስዩም ነታ ምስ ጃማይካ ዝፀንሐት ሽጉጥ ሒዙ ናብቲ ቦታ ተፀጊዑ ክትኩስ’ሞ ሙሴ ናይ ምምላጥ ዕድል ክረክብ ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም ተፈላለዩ:: ስዩም እትሰርሕ ምዃናን ዘይምዃናን ዘይተፈተነት ሽጉጥ ሒዙ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ቅፅበት ሓጎስ በርሀ ዝተብሃላ ነጭለባሽ ንሙሴ ሒዙ ናብ ዓዲ ዳዕሮ ፖሊስ ጣብያ ኣእተዎ::
ኣብቲ ምሸት ሓያል ዝናብ ይወቅዕ ስለዝነበረ ስዩምን ጃማያካን በብወገኖም እናተዳለዩ ከይተራኸቡ ሓደሩ:: ምስ ወግሐ ጃማይካ በቲ ናብ ዓዲ ዳዕሮ ዝኣተወሉ መንገዲ ገይሩ ናብ ደደቢት ተመለሰ:: ስዩም ኣብ ሓደ ፀግዒ ናይታ ከተማ ኣብ ዝነበረ ፍራስ ቤት ትምህርቲ ተኸዊሉ ምስኣርፈደ ኣብ ዓዲዳዕሮ ምስ ዝነበሩ ኣባላት ስርዒት ተራኺቡ ሓበሬታ ኣከበ:: ንሙሴ ናብ ሽረ ክወስድዎ ከምዝተዳለዉ ምስፈለጠ ናብ ደደቢት ተመሊሱ ምስቲ ኣብ ደደቢት ዝፀንሐ ኣመራርሓ መኸረ:: ኦፕሬሽን ኣካያድና ነፍትሓዮ ዝብል ውሳነ ተወሰነ::
ብመሰረት እቲ ውሳነ ድማ በሪሁ፣ ስዩም፣ቀለበት፣ዋልታ፣ ተኽለ ሸሪፎ ፣ ሰመረ ፣ ኣስገደ ፣ ሕሉፍ ፣ ኣረጋይ መፍቱሕ ፣ ብርሃነ ሸውሸው፣ገብረዝጊሄር ገብረ ነተን ኣብ ሜዳ ዝነበራ ውሑዳት ብረት ሒዞም ተበገሱ::
ስሑል ፣ ኣውዓሎም ፣ ንርአ፣ ሓየሎምን ገረንችአልን ዝተዋፈርሉ ተልእኾ ንምፍፃም ኣብ ማይ ሓራ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ እናተንቀሳቐሱ እንተለዉ ሙሴ ብፖሊስ ተታሒዙ ናብ ሸረ ከምዝተወሰደ ስለዝሰመዑ ንርአ ነቲ ሓበሬታ ከጣልል ብማይን በረድን እናተቐጥቐጠ ናብ ከተማ ሽረ ተበገሰ:: ንርአ ለይትን ቀትርን ተጓዒዙ ሙሴ ተኣሲሩ ከምዘሎ ኣረጋጊፁ እኳ እንተተመለሰ እቲ ሓያል ማይን በረድን ስለዘድኽሞ ክንቀሳቐስ ኣይካኣለን:: ሓየሎም ናብ ካልእ ገድላዊ ውራይ ስለዝተላኣኸ ምስኣቶም ኣይነበረን:: ምስተመለሰ ይስዓበና ዝብል መልእኽቲ ሓዲጎም ስሑል ካርባይን ሒዙ : ኣውዓሎምን ገረንችአልን ጥራሕ ኢዶም መጥቃዕቲ ኣካይዶም ንሙሴ ሓራ ከውፅኡ ተንቀሳቐሱ::
ኣብ ጉዕዞ ውዒሎም ንምሸቱ ሩባ ጨዓመስከበት እንትበፅሑ ሩባ መሊኡ ፀንሖም:: ሩባ ኣይንሰግርን ኢሎም ጉዕዞኦም ኣየመናገዉን ፣ ለይቲ እዩ ኢሎም’ውን ሰጋእ ኣይበሉን:: ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ንምስጋር ብጋድም መስርዕ ናብ ሩባ ጨዓመስከበት አተዉ::
መሊኦም ክሰግሩ ቁሩብ ምስተረፎም ጋሻ ውሕጅ ኣርከቦም:: ሕጊ ተፈጥሮ ሓያል ምዃኑ ዝተራኣየ’ውን ሽዑ’ዩ:: ሓዊ ብማይ ተሰኲኑ:: እቲ ካብ ከውሒ ዝተረረ ሓቦ ዘለዎ ተጋዳላይ ዕድመ ከምዝደፈአ ተፈለጦ:: ጉላጉል ዝጥሕሳ ፣ እምባታት ዘርዕዳ ዝነበራ ኣብራኽ ብማይ ተሰኮና:: ስሑል ካብ ብፆቱ ተፈልዩ ፣ ጋሻ ውሑጅ እናጋፍዐኣርሒቑ ወሰዶ::
ብኣጋጣሚ ግና ካብ ሞት ተሪፉ:: ኣዝዩ ታሃስዩ ስለዝነበረ ጉዕዞ ክቕፅል ኣይካኣለን:: በዚ ምኽንያት’ዚ እታ ጉጅለ ዝሓሰበቶ ከይፈፀመት ተረፈት::
በሪሁ፣ ስዩም ፣ ዋልታ ፣ቀለበት፣ሰመረ፣ተኽለ ሸሪፎ፣ኣስገደ፣ሕሉፍ ፣ኣረጋይ መፍቱሕ፣ብርሃነ ሸውሸው፣ ገበረእግዚኣብሄር ገብረ ዝተብሃሉ ተጋደልቲ ብኣባልነት ዝሓዘትን ሰለስተ ኤምዋን፣ሓደ ክላሽንኮቭ፣ሓደ ማስ፣ ሓደ ካርባይን ፣ ሓደ ጓንዴ ፣ሓደ ሽጉጥ ፣ ሰለስተ ቦምብ ኢድ ዝዓጠቐትን ኣሃዱ ካብ ምስቃል ቋንጣ ተበጊሳ ኣብ ከባቢ ሽረ በፅሐት:: ኣብ ካልእ ውድባዊ ውራይ ተዋፊሩ ኣብቲ ከባቢ እናተንቀሳቐሰ ዝፀንሐ ኣግኣዚ’ውን ናብታ ኣሃዱ ተፀምበረ::
እታ ኣሃዱ ኣብ ወሰን ከተማ ምስበፅሐት መቐሎ ዕዮ ገበረት:: ነፍሲ ወከፍ ተጋዳላይ ነናይ ባዕሉ ስራሕ ተውሃቦ:: ገሊኡ ኣብ ከተማ ኣትዩ ሓበሬታ ክእክብ፣ ገሊኡ ድማ ንመቐለ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ኣኻሲዱ ኣብ ወሰን ከተማ ክፀንሕ ተመደበ::
ከተማ ሽረ በቲ ብዘይምቁራፅ እናዘነበ ዝወዓለ ዝናብ ሓምለ ጠልቅያ ነይራ:: ነባሪ እታ ከተማ ካብ ዝናብ ክሃድም ፀሓይ ቅድሚ ምፅዳቓ በብገዝኡ ሰፊሩ’ዩ:: ንጀመርቲ ቃልሲ ናብ ደደቢት ምስናይ ጀሚሮም ምስገድሊ ዝተዛመዱን ኣብ ምቕባል ስንቂ ርኡይ ተራ እናተፃወቱ ዝመፁን ኣይተ ገ/መድህን መሰለ ዝተብሃሉ ነባሪ እታ ከተማ መሾምቦባ ዝሓወሰ ሓያል ዝናብ ዝፈጠሮ ዛሓሊ ስለዘቋረሮም ሓዊ እንዳሳሓኑ ኣብ ገዝኦም እዮም ነይሮም::
ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ምስ ኮነ ካብቶም ናብ ደደቢት ዝሰነዩዎም ተጋደልቲ እቶም ሰለስተ ጨጉሪ ለወጥ ኮይኖም ኣተዉዎም:: በሪሁ ፣ ስዩምን ቀለበትን እዮም:: ዝተጎሳቐሉ መሲሎም ተረኣዮዎም:: ኣብ ግንባሮም’ውን ኣይካኣሉን:: <<ሙሴ ብፖሊስ ተታሒዙ ስለዘሎ ፣ ናብ ፖሊስ ጣብያ ኪድ’ሞ ኩነታት ኣፅኒዕኻ ምፃእ>> በልዎም::
ኣይተ ገ/መድህን ኣብ ዙርያ ፖሊስ ጣብያ ዛዊኖም ኩነታት ኣጨናጪኖም ጥሉል ዘረባ ሒዞም ተመለሱ:: ሙሴ ኣብ ኢዱን እግሩን መቑሕ ኣትይዎ፣ ኣብ ሓደ ክፍሊ ንብሕቱ ተኣሲሩ ከምዘሎ ኣረጋጊፆም ነገርዎም:: ስዩም ዕቡድ መሲሉ ፣ በሪሁ ቀሺ መሲሉ ፣ ኣግኣዚን ቀለበትን’ውን ኣድላዪ ምምስሳል ገይሮም በብወገኖም ኣብ ዙርያ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኮሊሎም ዝኣከቡዎ ሓበሬታ’ውን ልክዕ ከምቲ ናይ ኣይተ ገ/መድህን እዩ ነይሩ::
ንፅባሒቱ ኣብ ዝነበረ ወጋሕታ ኣይተ ገ/መድህን ናብ መዋፈሪ ኣውቶብስ ከዱ:: ሰበስልጣን ፖሊስ ጣብያ ሽረ ንሙሴ ናብ መቐለ ክወስድዎ’ዮም ዝብል ሓበሬታ ተረኺቡ ስለዝነበረ ነዚ ንምፅራይ’ዩ ነይሩ ኣካይድኦም:: በቲ ዝገበርዎ ምክትታል ኣዘዝቲ ፖሊስ ጣብያ ንሙሴ ናብ መቐለ ናይ ምልኣኽ ሓሳብ እኳ እንተሃለዎም በቲ ዕለት ከምዘይለኣኽዎ ፈለጡ:: ቀለበትን ኣግኣዚን ዝኣከብዎ ሓበሬታ’ውን ከምኡ’ዩ ነይሩ::
ኣይተ ገ/መድህን ካብ መዋፈሪ ኣውቶብስ ተመሊሶም ናብ ፖሊስ ጣብያ ከዱ:: አዒንቶም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ እንተይነቐሉ ኣብ ምክትታል ወዓሉ:: ስዩም ተመሳሳሊ ተግባር እንትፍፅም ሪኦም”ዮም:: ይኹን’ምበር ምፅንታው ኣይገደፈን:: ብናይ ባዕሎም መንገዲ ዝረኸቡዎ ሓበሬታ ሒዞም ምሸት ንምሸቱ ናብ ገዝኦም ተመለሱ:: ክልተ መዓልትን ለይትን ምግቢ ዝበሃል ንዓይኖም ዘይራኣዩ ተጋደልቲ ኣብ ወሰን ከተማ ከምዘለውን ቤት ማእሰርቲ ኣጥቂዖም ንሙሴ ሓራ ከውፅኡ ምዃኖም ዝፈለጡ’ውን ሽዑ’ዩ:: ነቶም ኣብ ወሰን ፅርግያ ኣብ ከውሒ ተፀጊዖም ዝነበሩ ተጋደልቲ ድራር ከብፅሕሎም ደለዩ:: ገዝኦም ግና ምሉእ ኣይነበረን:: ፀብሒ ድኣ ኣይነበረን’ምበር እንጀራ ግና ነይሩ’ዩ:: ሕሩጭ ሽሮ ብማይ በፅቢፆም ኣብ ልዕሊ እንጀራ ኣፍሲሶም ወሰድሎም:: ዝጠመዩ ተጋደልቲ ተዓንገሉ::
ንመፅናዕቲ ዝተዋፈሩ ስዩም፣በሪሁ፣ ቀለበት፣ ዋልታን ኣግኣዚን መፅናዕቶም ወጊኖም ነቶም ኣብ ከተማ ዝገደፉዎም ተጋደልቲ እንትምለሱ ሓደ ተጋዳላይ ጎዲሉ ፀንሖም:: ገረዝጊሄር ገብረ ምስ ብረቱ ከተማ ኣትዩ ተሰወረ:: ሓይሊ ሰብ ነከየ::
እተን ዝነበራ ውሑዳት ብረት’ውን ወሓዳ:: ናይ ገረዝጊሄር ምጥፋእ ዓቢ ስግኣት ፈጠረ:: ናብ ደርጊ ኢዱ እንተሂቡ እታ ንሙሴ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክተናግፍ ዝተበገሰት ኣሃዱ ብምልእታ ኣብ ሓደጋ ክትኣቱ’ያ:: በዚ ምኽንያት’ዚ እቲ ወፍሪ ተደናጎየ:: እታ ኣሃዱ’ውን ኣብ ኣርዕተ ተመቒላ ክትሓድር ተገበረ::ብመሰረት’ዚ ድማ ስዩም ኣብ ከተማ ኣትዩ ተወሳኺ ሓበሬታ ክእክብ፣
ኣግኣዚ፣ ቀለበትን በሪሁን ድማ ሓደ ሽጉጥን ቦምብን ሒዞም ኣብ መዋፈሪ ኣውቶብስ ኮይኖም ክከታተሉ ፣ ሙሴ ናብ መቐለ ዝውሰድ እንተኾይኑ ከም መንገደኛታት ምስኡ በታ ኣውቶብስ ተሳፊሮም ክኸዱ’ሞ ኣብ ዝምቹ ቦታ ምስበፅሑ ዓጀብቲ ወቒዖም ከፍትሕዎ:: ኣረጋይ መፍቱሕ ንዋልታን ሰመረን በርሀ ሸውሸውን ሒዙ ካብ ከተማ ኣብ ናይ ክልተ ኪሎ
ሜትር ርሕቐት ተሓቢኡ ክውዕል:: ሕሉፍ፣ ኣስገደን ተኽለ ሸሪፎን እውን ብተማሳሳሊ ኣብ ወሰን ከተማ ሓዲሮም ክውዕሉ:: ንፅባሒቱ ምሸት ዝራኸቡሉ ቦታ ኣነፂሮም ተፈላለዩ::
ቀፂሉ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ሙሴ ናብ መቐለ ኣይተልኣኸን:: ስዩም፣ ቀለበት፣ኣግኣዚን በሪሁን ድማ ተወሳኺ መፅናዕቲ እናካየዱ ወዓሉ:: እቲ ዝኸድዐ ንደርጊ ኢዱ ከምዘይሃበ ኣረጋገፁ:: ሙሴ ዝተኣሰረሉ ቦታን ኣብ ሓለዋ ሓይሊ ፀላኢን እናፅነዑ ምስወዓሉ ንምሸቱ ናብቲ መራኸቢ ቦታ ከዱ:: ኣስገደ ፣ተኽለ ሸሪፎን ሕሉፍን ኣብ ዝተመደበሎም ሰዓትን ቦታን ተረኸቡ:: ዋልታ፣ሰመረ፣ ብርሃነ ሸውሸው ፣ ኣረጋይ መፍቱሕ ዝርከቡላ ጉጅለ ግና ጠፍአት:: ዝሐሸ ብረትን ዝበዝሐ ሓይሊ ሰብን ዝሓዘት ድማ ንሳ እያ:: ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ተፀበዩዋ:: ከይመፀት ምስተረፈት ፀገም ከምዘጋጠማ ገመቱ::
ጊዜ ብዝኸደ ቁፅሪ ሓደሽቲ ፀገማት እናጋጠሙ’ዮም :: እታ 11 ኣባላት ሒዛ ዝተበገሰት ኣሃዱ ሽዱሽት ጥራሕ ሒዛ ተረፈት:: እቲ ዝነበረ 9 ብረት’ውን ናብ 4 ወረደ:: በቲ ዝርከቡ ሓይሊ ሰብን ብረትን ንሙሴ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ምንጋፍ ወፍሪ ከካይዱ ወሰኑ::
ፍርቂ ለይቲ ምስኮነ እቲ ዝተረፈ ተጋዳላይ ነተን ዝነበራ 4 ብረታትን 3 ቦምብን ሒዙ ገሊኡ ሃጂሙ፣ ገሊኡ ጎልባቢ፣ ገሊኡ መዛብዒ ኮይኑ ብዝላዓለ ጅግንነትን ቆራፅነትን ካብ 30 ደቓይቕ ኣብ ዝወሓደ ጊዜ ተልእኽኡ ብዓወት ዛዘመ:: ሙሴ ብጅግንነት ብፆቱ እንዳተሓበነ ናብ ውድቡ ተፀምበረ:: ተጋደልቲ ተ.ሓ.ህ.ት ነዚ ወፍሪ’ዚ እንትፍፅሙ ፍርቆም ዕጡቓት ፍርቆም ዘይዓጠቑ ሽድሽተ ተጋደልቲ ጥራሕ’ዮም ነይሮም:: ብወገን ደርጊ ግና 80 ፈጥኖ ደራሽ፣ 100 ዝኾኑ ፖሊስ፣ ከምኡ’ውን ብዙሓት ነጭለባሽ ኣብታ ከተማ ነይሮም::
እዝ ወፍሪ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ብፍልማዊነቱ ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ፅንዓት ቃል ኪዳን መትከል ዝተርኣየሉ ትእምርቲ ቃልስን ዓወትን ኮይኑ ኣብ ማህደር ተጋድሎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሰፊሩ ኣሎ::
ፍልፍል:- ቅያ ተጋድሎ
#TPLF #WEYANE #TIGRAY #OPERATION_SHIRE#ETHIOPIA

No comments:

Post a Comment