Tuesday, September 23, 2014

ስዉእ ተጋዳላይ ብርሃነ ጋኖ - TPLF Martyr Brhane Gano

TPLF Martyr Brhane Gano/ Halefay
ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ጋኖ ካብ ኣቡኡ ኣይተ ገ/መስቀል ተፈሪን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ይሕደጋ በየነን ብ1961 ዓ.ም ኣብ ተምቤን ከተማ ዓቢዓዲ ተወሊዱ:: ፀረ ደርጊ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ወፍሪ ተጋድሎ ገና ብዕሸሉ ኣብ ሰገናት ህ.ወ.ሓ.ት ሓይሊ 84 ተጠርኒፉ ብመልክዕ ባህሊ ንህዝብን መናእሰይን እናለዓዐለ ከቃልስን ክቃለስን ድሕር ምፅናሕ ብዝሓድሮ ወነን ስምዒትን ኣብ 1973 ዓ.ም ናብ መስርዕ ህ.ወ.ሓ.ት ተፀንቢሩ:: ብዝነበሮ ፉሉይ ተውህቦ ባህሊ ተሓርዩ ኣብ 1974 ዓ.ም ኣብ ጉጅለ ባህሊ ተጠርኒፉ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ዘይርሰዑ ምህዞታት ብምቕራብ ተጋዲሉን ኣጋዲሉን'ዩ::

ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ጋኖ ኣብ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ 1974ዓ.ም ናብ ኤርትራ ምስዝከዳ በራጊድ ከይዱ "ህንፅቲ ዕርደይ ዋሕስ ሂወተይ:ኣነ ንዓኺ ንስኺ ናዓይ ይበል ምትሕልላይ" ዝብል ዜማ ብምዝያም ሻብኡ ንዝነበረ ፅንዓት ተጋዳላይ ብኪነታዊ ክእለቱ ብምልዕዓል ነቲ ወፍሪ ኣብ ምዕዋት ተሩኡ ፈፂሙ እዩ::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ሓለፋይ ንፅንዓትን ተዓዋታይነትን ተጋዳላይ ወየንትን ሽግ ወየንትን ኮታ ንመሪር ተጋድሎን መስዋእትን እንትገልፅ ማእኸል ኩሎም ናይ ኪነት ሸውሃት ዝኾነት "ንገርኒ'ንዶ ሓለፋይ" ዝብል ሙዚቃዊ ድራማ ብምቕራብ ብፍላይ ብናይ ኣቀራርባ ምህዞኡ ልዕሊ ስምዒቱ ዝሕንዝሕ እንዳነበዐ ንህዝቢ አሐሪኑ! መንእሰይ ትግራይ ንገምባለ ኣቡኡ ኣልዒሉ ክጋደል ዝገበረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካብ ዝሰፈሩ ስሙያት ተጋደልቲ ሓደ እዩ ነይሩ:: ካብዛ ሙዚቃዊ ድራማ ብምብጋስ ድማ ሷጋ ብርሃነ ጋኖ ናብ ብርሃነ ሓለፋይ ተቐይሩ::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ሓለፋይ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ'ውን በቲ ፉሉይ ተውህቡኡ ህዝቢ ናብ ልምዓት ክዓስል: መናእሰይ ሕድሪ ኣያታቶም ክወርሱ ብዙሓትን ዘይርስዑ ሙዚቃዊ ድራማታትን ምቕራብን:ወየንቲ ደርፍታት ብምድራፍን ክሳብ ዕለተ ሞቱ ብዘይዕረፍቲ ዝተረባረበ ወዲ ህዝቢ እዩ ነይሩ::
ምክትል ኮማንደር ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ሓለፋይ ባዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓ እዩ ነይሩ::

#TPLF #TPLF_History #TPLF_Martyrs #Tigray_Martyrs

ስዉእ ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ህይወት (ሃንደበት) TPLF Martyr Brhane G/Hiwot (Handebet)

TPLF Martyr Brhane Handebet
ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ህይወት (ሃንደበት) ካብ ኣቡኡ ኣይተ ገ/ህይወት ኣባይን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ሰላማዊት ገ/ህይወትን ኣብ 1960 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ወርዕለኸ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ተወሊዱ:: 
ኣብ ፀረ ደርጊ እጃሙ ንምብርካት ድማ ኣብ 1972 ዓ.ም ንሜዳ ወሪዱ ኣብ መስርዕ ህ.ወ.ሓ.ት ተፀንቢሩ::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ሃንደበት ኣብ መስርዕ ሰራዊት ህ.ወ.ሓ.ት ክዋጋእ ድሕር ምፅናሕ ኣብ 1974 ዓ.ም ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምድጋፍን 6ይ ወራር ቀይሕ ኮኾብ ንምፍሻልን ካብ ዝወፈሩ ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ሓደ ኮይኑ ብዝነበሮ ልዑል ወነ ኣብ ግንባር ናቕፋ ናብ ባህሊ ብርጌድ ተፀንቢሩ::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ሃንደበት "ወናም ብመትከል" ዝብል ደርፊ ብምድራፍ ተጋዳላይ ህ.ወ.ሓ.ት ካብ ራያ ተበጊሱ ናብ መስመር ሚሌ ዓሰብ ከጥቅዕ እንተሎ ንዝገጠሞ ፈታኒ ኩነታት ሽንቲ ግመል ሰትዩ ንሰሙናት ማይ እኽሊ ሓሪሙዎ ንዝሓለፎ ጉዕዞ ዘንፀባርቕ መላዐሊ ደርፊ ብምድራፍ ኣብ ተጋዳላይ ህ.ወ.ሓ.ት ፉሉይ ማሕተም ኣዕሪፉ ዝሓለፈ ከያኒ እዩ ነይሩ:: ወናም ብመትከል፣ ሓየተይ፣ ማዕበል፣ ናይ ሰላም ንጉስ፣ ቃልካ ሃብ ጉና፣ ለካቲት ወዘተ ብርክት ዝብሉ ወታደራዊ ደርፍታት ብምድራፍ ንሰራዊትን ህዝብን ኣብ ብምልዕዓል ዓቢ ግደ ፈፂሙ እዩ:: ሃንደበት ድሕሪ ውድቀት ደርጊ'ውን ኣብ ጉዕዞ ሰላምን ልምዓትን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንልምዓት ከለዓዕል፣መንእሰይ ሕድሪ ኣያታቱ ክወርስ ብዘይ ዕረፍቲ ሰሪሑ እዩ:: ዋና ኢንስፔክተር ኣርቲስት ብርሃነ ሃንደበት ባዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ቆልዑ እዩ ነይሩ::
#TPLF #TPLF_History #TPLF_Martyrs #Tigray_Martyrs

ስዉእ ተጋዳላይ ብርሃነ ዓንዳይ (ኩናማ) - TPLF Martry Brhane Anday (Kunama)

ተጋዳላይ ብርሃነ ዓንዳይ ካብ ኣቡኡ ኣይተ ዓንዳይ ካሳን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ለተህይወት ወለላን ኣብ 1956ዓ.ም ኣብ ወረዳ ሸራሮ ጣብያ ለምለም ተወሊዱ:: ንኣካለ መጠን ምስበፀሐ ንስድሩኡ ብጓስነት እናጠወረ ድሕር ምፅናሕ ስርዓት ደርጊ ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ብሄረሰብ ኩናማ ዘብፅሖ ዝነበረ ግፍዕን በደልን ኣዝዩ ይስመዖ ስለዝነበረ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝፍታሕ ኣሚኑ ኣብ 1973 ዓ.ም ናብ ህ.ወ.ሓ.ት ተፀንቢሩ::
ተጋዳላይ ብርሃነ ዓንዳይ ኣብ ኣፅረጋ ፖሎቲካዊን ወታደራዊን ስልጠና ወሲዱ 1974 ዓ.ም ህዝባዊን ውድባውን ዕላምኡ ንምፍፃም 6ይ ወራር ደርጊ ንምምካት ናብ ኤርትራ ወፊሩ ጉቡኡ ፈፂሙ እዩ::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ዓንዳይ ክራር ሒዙ ኣብ ሰራዊት ባህሊ ኩናማ ይፃወት ስለዝነበረ ኣብ 1975 ዓ.ም ካብ ሰራዊት ናብ ክፍሊ ባህሊ ህ.ወ.ሓ.ት ተዘዋወረ::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ዓንዳይ ብናይ ኩናማ ጣዕመ ዜማ ወነ ሰራዊትናን ህዝብናን ኣብ ምልዕዓልን ኣብ ምዕቃብን ዝላዓለ ግደ ዝተፃወተ ኣርቲስት’ዩ:: ድሕሪ ምድምሳስ ደርጊውን ኣብ 1984 ዓ.ም ኣብ ዙርያ ባህሊ ህ.ወ.ሓ.ት ብሙኻን ኣብ መላእ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ንስዱድ ወገኑ ንሱዱድ ወገኑ ብምልዕዓል ንውድብን ህዝብን ዘፀውዑ ስራሕቲ ዝሰረሐ ኣርቲስት እዩ::
ዋን ኢንስፔክተር ኣርቲስት ተጋዳላይ ብርሃነ ዓንዳይ ባዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ እዩ ነይሩ::

#TPLF #TPLF_History #TPLF_Martyrs #Tigray_Martyrs
 —

ስዉእ ተጋዳላይ ተክኤ ተስፋማርያም- Martyr Tekie Tesfamariam

ኣርቲስት ተጋዳላይ ተክኤ ተስፋማርያም ካብ ኣቡኡ ኣይተ ተስፋማርያም በርሀን ካብ ኣዲኡን ወ/ሮ ምፅላል ሃይላይን ኣብ 1959 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው ታሕታይ ጣብያ ሓምበራ ተወሊዱ:: ገና ዕድሚኡ ከይወንወነ ኣብ ውሽጡ ሰሪፁዎ ዝነበረ ናይ ምቅላስ ስምዒት ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣሃዱታት ከራቢት ህ.ወ.ሓ.ት ኮይኑ ንህዝቢ የለዓዕልን የቃልስን ነይሩ:: ድሕሪኡ ኣብ መበል 13 ዓመት ዕድሚኡ ጠቕሊሉ ናብ ታዕሊም ህ.ወ.ሓ.ት ብምውራድ ስልጠንኡ ብምዝዛም ናብ ብርጌድ 51 ተፀንቢሩ :: 
ኣርቲስት ተጋዳላይ ተክኤ ተስፋማርያም ብዝነበሮ ክእለት ጭራ ኣብ ባህሊ ሪጅን 2 ተመዲቡ ኪነጥባባዊ ስራሕቱ ከቀላጥፍ ጀሚሩ:: ተጋዳላይ ተክኤ ንብርክት ዓመታት ንዝነበሮ ክእለት ጭራ ንኣሰር ስዉእ ኣርቲስት ገ/ፃዲቕ ብምኽታል ኣብ ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይን ህዝብን ዝሰርፅ ቃና ሙዚቃዊ ጣዕሚ ጭራ ብዘስቆንቅን ኣግባብ ብምፅዋት ካብ ጊዜ ኲናት ክስብ ዕለት መስዋእቱ ክቃለስ ፀኒሑ:: ዋና ኢንስፔክተር ኣርቲስት ተጋዳላይ ተክኤ ኣቦ ሓንቲ ቆልዓ እዩ ነይሩ::

ስዉእ ተጋዳላይ ሃይለ ገ/ስላሰ -Martyr Haile G/Silase

ኣርቲስት ተጋዳላይ ሃይለ ገ/ስላሰ ካብ ኣቡኡ ኣይተ ገ/ስላሰ በርሀን ካብ ኣዲኡን ወ/ሮ ኣብረሀት ወልዱን 1959 ዓ.ም ኣብ ተምቤን ከተማ ዓቢ ዓዲ ተወሊዱ:: ብዝነበሮ ናይ ቃልሲ ወነን ድልየትን ኣብ 1981 ዓ.ም ናብ መስርዕ ህ.ወ.ሓ.ት ተፀንቢሩ:: 
ኣርቲስት ተጋዳላይ ሃይለ ገ/ስላሰ ብዝነበሮ ሞያን ክእለትን ኣብ ባህሊ ህ.ወ.ሓ.ት ኣትዩ ጉቡኡ ፈፂሙ እዩ:: 
ኣርቲስት ተጋዳላይ ሃይለ ገ/ስላሰ ኣብ ናይ ባህሊ ስራሕ ዘይክእሎ ዘይሰርሖ ስራሕ ኣይነበረን:: ተክኒሽያን፣ሳውንድማን፣ቤዝ ክራሪስት፣ኣሰልጣኒ ሳዕሲዕትን ፅባቐ መድረኽን ኮይኑ ብምስራሕ ደኺሙኒ ከይበለ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ልምዓትን ዴሞክራስን ብዉፍይነት ዝተጋደለ ከያኒ እዩ:: ዋና ኢንስፔክተር ኣርቲስት ተጋዳላይ ሃይለ ገ/ስላሰ ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክለተ ቆልዑን እዩ ነይሩ::
#TPLF History 

TPLF Martyr Revolutionary Eyasu Berhe ስዉእ ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ

ኢያሱ በርሀ Eyasu Berhe

ኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ ብ1949 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ:: ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ቤት ትምህርቲ ተማሂሩ::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ በደልን ግፍዕን ብምቅዋም ቃልሲ መፍትሒ ሙዃኑ ኣሚኑ ብ 1967 ዓ.ም ናብ ተ ሓ.ህ.ት ተፀንቢሩ::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ ኣብ ከተማ ልእኽቶ ውድብ ድሕሪ ምፍፃም ሓምለ 5/1968 ዓም ናብ ሜዳ ወፀ:: ኣብ ሶበያ ምስ ተዓለመ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ህዝቢ ንክነቅሕ ፣ ክውደብን ክዕጠቕን ዓቢ ተራ ኔሩዎ::
ህወሓት ክፍሊ ባህሊ ምስ መስረተት ኢያሱ ኣብ ክፍሊ ባህሊ ህወሓት ኣሰልጣኒ ፣ ደራሲ ፣ ገጣሚ፣ ድምፃዊ ፣ ጉጅለ መራሒ ብምዃን ጉቡኡ ፈፂሙ እዩ:: ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተደረፉ ደርፍታት 70% ብኢያሱ በርሀ ዝተገጠሙን ዝተዘየሙን እዮም:: ኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ ዝደረፈን ደርፍታት ፖሎቲካዊ፣ ማሕበራዊ መልእኽቲ ዝለዎም ህዝቢ ዘንቀሑ ደርፍታት እዮም::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ኣብ ንግዲ ዓለም ኣትዩ እንዳሰረሐ ብፉሉይ ስነጥበባዊ ድማ ክእለቱ ህዝቢ ናብ ልምዓት ክዓስል: መናእሰይ ሕድሪ ኣያታቶም ክወርሱን ታሪኽ ኣያታቶም ክፈልጡን ብዙሓትን ዘይርስዑ ወየንቲ ደርፍታት ብምድራፍን ክሳብ ዕለተ ሞቱ ብዘይዕረፍቲ ዝተረባረበ ወዲ ህዝቢ እዩ ነይሩ::ጥሪ 10 2002 ህዝቢ ናብ ልምዓት ክዓስል ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝተዳለወ መደብ ኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ ነቲ መድረኽ መሪሑ እቲ መደብ ምስተዛዘመ ድማ ብዝበፀሖ ሃንደበታዊ ናይ ልቢ ሕማም ዓሪፉ::
ኣርቲስት ተጋዳላይ ኢያሱ በርሀ ባዓል ሓዳርን ኣቦ 2 መናእሰይ እዩ ኔሩ::

#TPLF #TPLF_History #TPLF_Martyrs #Tigray_Martyrs #Eyasu 

ስውእቲ ተጋዳሊት ብርሽዋ ተጠምቀ - TPLF Warrior Martyr Brshwa Tetemqe . TPLF History

ተጋዳሊት ብርሽዋ ኣብ ዓዲ ኣርባዕተ ተወሊዳ:: እዋኑ ብሰንኪ መስፍናዊ ስርዓት ሃ/ስላሰ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘስካሕክሕ ብሄራዊ ጭቆና ክነብር ዝተገደደ፣ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላቱ ዝተግሃሰ፣ ከርፋሕ ናብራ ድኽነት ንክነብር ዝተፈረደሉ እዋን’ዩ ነይሩ::
ኣብ መወዳእታ 1967 ዓ.ም ምዕባይ ብርሽዋ ዝኾነት ትርሓስ ተጠምቀ ዕድሚኣ እንተይኣኸለ ተመርዕያ ናብ ተሰነ ከደት:: 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ብርሽዋ’ውን ምስ ዓባይ ሓፍታ ክትነብር ተልኣኸት:: ብሰንኪ ከርፋሕ ናብራ ቁልዕነታ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ እንዳዞረት ዘሕለፈቶን ኣብ ተሰነ እርሳስን ጥራዝን ሒዛ ፊደል ክትቆፅር ንደገኣፍ ቤት ትምህርቲ ክተረግፅ ዕድል ረኸበት::ኣብዚ ግዜ’ዚ ናይ ስዊድን ሚሽን ዘጣየሽዎ ቤት ትምህርቲ ስለዝነበረ መፃኢ ህይወታ እተማሓያሸሉን ፍልጠት ናብ እትቀስነሉ ቤት ትምህርቲ ኣትያ ሀ…ሁ ክትብል ጀሚረት::
እንተኾነ ግና ንሽግርን ንመከራን ጥራሕ ዝተፈጥረት ክሳብ ዝመስል ከም ማዓር ዝመቀረታ ትምህርቲ ሰሙን እንተይገበረት ናብ ቤት ትምህርቲ እንዳኸደት እንከላ ብዕጡቓት ጀብሃ/ተሓኤ ተገፊፋ ተወሲዳ:: ኣባላት ጀብሃ ንከተማ ተሰነ ተቆፃፂሮሞ ስለዝነበሩ ብኣስገዳድ ንመናእሰይ እናገፈፉ ዘጋድሉሉ እዋን‘ዩ ነይሩ:: ትርሓስ ንብርሽዋ ክትደሊ ን3 ወርሒ ከርተት እንዳበለት ዘይመስል መሰለት:: ኣብ መወዳእታ ካብቶም ኣባላት ጀብሃ ሓደ ሓፍትኺ ንዘላቶ ክነግረኪ ምእቲ ቕርሺ ክፈሊ ኢሉ ሓተታ:: ትርሓስ ካብ ምኽፋል ድሕር ከምዘይትብል ብምግላፅ ተለቂሓ፣ ንዝነበረኣ ወሳሲኻ ሚእቲ ቕርሺ ከፈለት:: እታ ክትማሃረላ ዝተፀበየታ ሓፍታ ጮግሪ ርእሳ ተላፅዩ፣ብረት ዓጢቓ ንዘይትፈልጦን ንዘይትደልዮን ዕላማ ክትዋጋእ፣ ኣብዕሸል ዕድሚኣ ወታደራዊ ታዕሊም እንዳወሰደት’ያ ረኺባታ:: ሕጂ ‘ውን ዝተኸፈለ ይከፈል ኢላ ንብርሽዋ ካብቲ ዘላቶ ክተውፅኣ ወሰነት::ልዕሊ ዓቕሚ ሰልዲ ከይሓቱዋ ብምሕሳብ ምእመኒዩ ንዝበለቶም ናይ ሓሶት ምኽንያታት ምሂዛ ናብቶም ሓለፍቲ ዝባሃሉ ኣባላት ጀብሃ/ተሓኤ ከደት:: ብርሸዋ ንምግዳል ዘይትበቅዕ ህፃን ኣብርእሲ ምዃና ወለዳ ዓይነስዉራት ስለዝኾኑ እሞ ድማ ብዘይ ንሳ ካልእ መራሒ ከምዘይብሎም ብምግላፅ ንክሰዱዋ ለመነቶም:: እቶም ኣባላት ጀብሃ’ውን ብርሽዋ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክትፀንሕ ከላ ከምቶም ዕድሚኦም ዝኣኸሉ ተዓለምቲ ክኢላ ነቲ ዝዋሃባ ዝነበረ ታዕሊም ትፍፅም ስለዘይነበረት ናብ ገዝኣ ንክመልሱዋ ኣየማትኡን:: ካልኣይ ማዓልቲ ኣብ ደገ እንተተራእያ ኣሲሮም ናብታ ዝነበረታ ታዕሊም ከምዝወስዱዋን ፈፂሞም ከምዘይለቁዋን መጠንቀቕታ ብምሃብ ኣፈሪሞም ኣውፂኦማ:: ብርሽዋ ኣብ ተሰነ ክትማሃር ዝነበራ ዕድል ተዓፅዩ:: ብርሽዋ ኣብ ተሰነ ምፅናሕ ንትርሓስ ከቕስና ስለዘይካኣለ 1969 ዓ.ም ናብ ዓዳ ኣብፂሓታ ተመለሰት:: ኣብዚ ግዜ’ዚ ብርሽዋ ጓል 14 ዓመት ዝመለአት እንትትኮን ልቢ ዝገበረትሉን ንዘላቶ ከርፋሕ ናብራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ በደላት ከሕስባ ጀመረ::
1969 ዓ.ም ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ከባቢ ራማ ተንቀሳቐስ ስለዝነበረት ብርሽዋ ምስ ተጋደልቲ ክትቀራረብን ንመንነቶም ክትፈልጥን ዕድል ረኸበት::ተጋደልቲ ኣብ ልዕሊ ሰገናት ፍሉይ ፍቕሪ ዘሕድሩ ስለዝነበሩ ብርሽዋ’ውን ከምቶም ካልኦት ሰገናት ራማ ብፍቕሪ ተጋደልቲ ተፀመደት:: ቁምጣ ስረ ዓጢቓ ብረት ተሓንጊጣ ክትውይን ድማ ተመነየት::
ናብ ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት እንዳኸደት ንከቃልሱዋ ክትሓትት ጀመረት:: ኮይኑ ግና ዕድሚኣ ስለዘይኣኸለት ሕቶኣ ተቐባሊነት ኣይረኸበን:: በቲ ዝተዋሃባ ምላሽ ተስፋ ዘይቆረፀት ብርሽዋ ኣብ 1969 ዓ.ም ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ከተማ ራማ ንምምሕዳር ዝተኸለትሉ እዋን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብዝተጣየሸ ማሕበር መናእሰይ ብርሽዋ ፈላሚት ኣባል እቲ ማሕበር ብምዃን ነቲ ውድብ መሰሰቶ:: መንእሰይ ራማ ናብ ቃልሲ ንክዓስልን ምስ ህ.ወ.ሓ.ት ንክውግንን ኣባል ባህሊ ማሕበር መናእሰይ ብምዃን ብዜማታት ቃልሲ እናጋወሐት ብምልዕዓል ልዑል ተራ ዝነበራ ብርሽዋ ጠርናፊት ፀጥታ ከተማ ራማ ንብረት ህዝቢ ከይዝረፍ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮነት::
ብመሰረት’ዚ ወርሒ ግንቦት 1970 ዓ.ም ተጋደልቲ ጀብሃ ኣብ ራማ ዝነበረት ናይ ጀርዲን ቱቦታት ኢነትረ ብዝዓይነታ መኪና ፅዒኖም ዘሪፎም ክኸዱ እንትብሉ ኣብ እግሪ ጎማ እታ ንብረት ህዝቢ ፅዒና ክትወፅእ ዝተዳለወት መኪና ብምደቃስ “ናዓይ ረጊፅኩም እንተዘይኮይኑ ንብረትና ኣይትወስድዎን” ብምባል ህዝቢ ራማ ክሳብ ዝእከብ ገቲራቶም ፀነሐት:: ህዝቢ ራማ ንብረቱ ንከይዘረፍ ምስቶም ዕጡቓት ጀብሃ ተፋጠጠ : ኣባላት ጀብሃ ብረቶም ኣዕሚሮም ነቲ ህዝቢ ከፈራርሑ ፈተኑ:: ኣብዚ እዋን’ዚ ብርሽዋ ንሓደ ሲሞኖፍ ዝተዓጠቐን ንሳንጃ ብረቱ ገቲሩ ዝፍክር ዝነበረ ዕጡቐ ጀብሃ ብድሕሪቱ ከይዳ ንዝሓዞ ብረት መንዚዓ ምስመንጠለቶ ነታ ብረት ንመናእሰይ ራማ ኣቐበለቶም:: ክፍክር ዝፀነሐ ዕጡቕ ጀብሃ ብፍርሒ ማይ ይኸውን:: ብርሽዋ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲራ “በል ናዓ ሕጂ” በለቶ:: ኣብ ቅድም ህዝቢ ዝተዋረደ ብረተይ ምለሱለይ እንዳበለ ኣብ ጥራሕ ሜዳ ናብ ልመና ኣተወ:: መናእሰይ ራማ ናብዝበፅሖ የብሉን ኢሎም ንብረቱ ደርበዩሉ:: ኣባላት ጀብሃ ሓሳቦም ፈሺሉ::
ደርግ ኣብ ሳልሳይ ወራር ከተማ ራማ ኣብ ኢድ ቁፅፅሩ ኣተወት:: ብርሽዋ ሕቶ ምግዳል ኣቕረበት:: ዋላኳ ዕድሚኣ ንምግዳል ዘብቕዕ እንተዘይነበረ ኣብ ራማ እንተፀኒሓ ክበፅሓ ዝኽእል ሕደጋ ማሕበር መናእሰይ ኮይና ንዝፈፀመቶም ስራሕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ሕቶኣ ተቐባሊነት ረኺቡ::
ንቃልሲ ብዘለዋ ፅኑዕ ድልየትን ቆራፅነትን ከምኡውን ኣብ ፆታዊ ማዕርነት ዘለዋ እምነት ተሪር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንጋንታኣ ኣብ ዝወሃቡ መደባት ተሳታፊት ኣብ ምዃን ዘይትቕደም ውፍይቲ ብምንባራ ካብ ቦጦሎኒ 50 ሓሊፉ ኣብ ኩለን ሓይልታት ህ.ወ.ሓ.ት ተፈላጢት ኮነት::
ፀዋር ፣ ንፀገማት ዘይትንብርከኽ እያ ኔራ:: ኣብ እዋን ራብዓይ ወራር ፀላኢ ብፍላይ ኣብ ኲናት ደደቢት ዘርኣየቶ ፀዋርነትን ፅንዓትን ከም ኣብነት ዝላዓል እዩ::እቲ ውግእ ብፅዑቕ ደብዳብ ከበድቲ ኣፅዋራት ፀላኢ ዝተፈነወ ብምንባሩ ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ኣብዝዓረድሉ ቦታ ዝርከብ ሳዕሪ ስለዝተባርዐ ብመሬት ሓዊ፣ ብሰማይ ተፈጥራዊ ሓዊ ብቅድሚት’ውን ካብ ፀላኢ ብዝፍኖ ሓዊ ተኸቢቦም:: ካብ ታዕሊም ወፂኦም እኹል ምድላው ከይገበሩ ናብቲ ውግእ ዝኣተዉ ሓደሽቲ ተጋደልቲ ነቲ ዝነበረ ፃምእ ማይ ጥሜትን ፈታኒ ውግእን ክፃወርዎ ስለዘይካኣሉ ነቶም ነባራት ተጋደልቲ’ውን ክፀልዎም ክኢሉ እዩ:: ብርሽዋ ንሰለስተ ማዓልትታት እኽሊ እንከይጣዓመት ኣብ ማእኸል እቲ ርሱን ዓውዲ ውግእ ኣትያ ክትኳሻሕ ብምፅናሓ ከምቶም ካልኦት ተጋደልቲ እንተደኸመት’ውን ብጊዝያዊ ፀገማት ሸብረኽ ዘይብል ፅኑዕ ሓቦን ትብዓትን ነቶም ተወጊኦም ዝወደቑ ብፆታ ሓዚላ ናብ ሕክምና ዝረኽቡሉ ቦታ እንዳተማላለሰት ካብ ሞት ኣድሒናቶም እያ:: ደርጋውያን በቶም ውሑዳት ግን ድማ ፅኑዓት ተጋደልቲ ብዝገጠሞም ተሪር መኸተ ተፀፊዖም::
ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ በረኻ ብዘጋጠመ ሕፅረት ማይ እተን ብዕድል ዝተረኸባ ውሑዳት ማይ ንኩሎም ተጋደልቲ ዝኣኻላ ስለዘይነበራ ንደቀነስትዮን ሰገናትን ጥራይ ተባሂለን በብጋንትኡ እንተተመቐላ’ውን እታ ግመል በረኻ ዝኾነት ብርሽዋ ግና ብፃምእ ማይ ጎሮሮኣ ነቒፁን ከም ዋልካ መሬት ፍግዕግዕ ኢሉ እንዳሃለወ’ውን ስተዪ ክትባሃል ከላ “ኣነ ዳሓን እየ ነተን ካልኦት ብፆት ሃቡወን” ብምባል ማዕረ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተጋደልቲ ማይ
ከይጣዓመት በቲ ልሙድ ፅንዓታን ቆራፅነታን ጉዕዞኣ ቀፀለት:: ብድሕሪ’ዚ ብርሽዋ ኩሉመደያዊ ብቕዓታን ተመዚኑ መራሒት ጋንታ ኮይና ንክትመርሕ ሓላፊነት ተወሃባ::
መራሕቲ ሓይሊን ቦጦሎኒን ንህፁፅ ኣኼባ ይፅወዑ:: ናብ ኤርትራ ጉዕዞ ስለዘሎ ምድላዋት ንክገብሩ ይነገሮም:: ብርሽዋ ተሓጒሳ:: “ኣነ ኣብ ኤርትራ እንተዝስዋእ ክንደይ ፅቡቕ ነይሩ” ብምባል ምስተዛረበት ንምንታይ ዝብል ሕቶ ካብ ብፆታ ቀሪቡላ እንትትምልስ ” ሓደ ወያናይ ሰራዊት ወያናይ ካብዘብሉዎ ሓደ ዓለምለኻዊ ግቡኡ ምፍፃሙ‘ዩ ይመስለኒ:: ኣነ‘ውን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዝ ግቡአይ ንምፍፃም ከይደ ኣብኡ ክስዋእ እንከለኹ ዝላዓለ ህዝባዊ ወገናውነትና ዘመስክር ታሪኽ’ዩ ዘለዎ” ብምባል ንብሱል ፖሎቲካቲዊ ብቕዓታ ብዘንፀባርቕ ኣገላልፃ እዩ ነይሩ ዘብርሃትሎም::
ቀይ ኮከብ ዘመቻ - ህ.ግ.ሓ.ኤ ንምብራስ
ደርግ ንኤርትራ ደምሲሱ ናብ ትግራይ ክምለስ ትልሚ ስለዝነበሮ ብዘይካ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሓይልታት ስፍሪ ዘይብሎም ሓደሽቲ ወታደራትን ከበድቲ ኣፅዋራት ናብ ኤርትራ ዘኽተቱሉ ብምንባሩ ታጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ምስ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምትሕብባር ነቲ ናይ ሓባር ፀላኢ ሓቢሮም ክምክትዎ ከምዘለዎም ንኩሎም በራጊድ ምስተገለፀሎም ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ነቲ ሓሳብ ብሙልእ ድለየትን ወነን ምስተቐበሉዎ እዩ ብእግሪ ናብ ኤርትራ ጉዕዞ ዝጀመሩ::
ብርሽዋ፣ጓል ፀሃየ፣ ኣበባ ፋራን ካልኦትን ብርክት ዝበላ መራሕቲ ሓይሊ ናብ ግንባር ባርካ ተመዲበን:: ፀላኢ ንወራር ኣብዝተንቀሳቐሰሉ እዋን ነቲ ወራር ንምምካት ኣብ ዝተካየደ ውግእ ኣባላት እታ ብርሽዋ ትመርሓ ሓይሊ ፀላኢ ብምዝባጥ ዝላዓለ ዓወት ክሓፍሱ ክኢሎም ‘ዮም:: ኣብ ባርካ ዝተኻየደ ውግእ ኣዝዩ ከቢድ እንተነበረኳ ብውሕሉል ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ነቲ ወራር ኣምኪኖምዎ እዮም::
ሚያዝያ 1974 ዓ.ም ብርሽዋ ካብቲ ንሓይላ ሒዛ ዝዓረደትሉ ግንባር ሕዳይ ትኽስ ናብዝተባህለ ቦታ ተፀዊዓ ትኸይድ:: ምስ ወታደራዊ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ከምኣ ካብ ዝተፋላላዩ ነቑጣታት ተፀዊዖም ዝመፅኡ ወታደራዊ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ተራኺቦም ኣብ ሓውሲ በዓቲ ኮፍ ኢሎም ንኩነታት እቲ ከባቢ እንዳፅነዑ፣ ወታደራዊ ጉዳያት ሓሳብ እንዳተለዋወጡ እንዳሃለዉ ፀላኢ ብዘካየዶ ደብዳብ ከቢድ ብረት ናብታ ባዓቲ ሾሊኻ ብዝኣተወት ቁምቡላ ርእሳ ተወቐዐት:: ተጋደልቲ ካብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣልዒሎም ናብ ድፋዕ ምስኣእተዉዋ ሕክምና ንክትረክብ ምጉያይ ጀመሩ:: ግና ውቃዓ ከቢድ ስለዝነበረ ድሕሪ 15 ደቓይቕ “ዓወት ንውፁዕ ህዝቢ ዓለም ! ዓወት ንውድብና ! ክንዕወት ኢና !” ኢላ ምስጨረሐት ነቲ እትምነዮ ክቡር መስዋእቲ ከፊላ ሓለፈት::
#TPLF #TPLF_History #TPLF_Martyrs #Tigray_Martyrs